Tigrinya - ትግርኛ ፊደል

Klachtenreglement Integratiewerk

ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ናይ ኣቤቱታ-ስርዓት

“ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ዓይነት (quality)ወይ ጽፈት ተቐድም። ይኹን’ምበር፡ ብ ሰራሕተኛ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ”፡ ብዝግባእ ከምዘይትሓገዝኩም ኮይኑ፡ ክስመዓኩም ይኽእል እዩ። ሽዑ ኣቤቱትታ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

አቤቲታ ምቕራብ ማለት፡ ብይን ምጥላብ ብዛዕባ ናይ ርእይቶ-ፍልልይ ኣብ መንጎኹምን መንጎ ሰራሕተኛ ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ”ን እዩ።

ኣቤቱታ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፥

- ሰራሕተኛ ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ከመይ ጌሩ ከምዝተቐበለኩምን ዝሓገዘኩምን፥

- ብዛዕባ እቲ ሓገዝን ምትሕግጋዝን ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ”፥

- ብሕብሪ-ቖርበት፡ ብጾታ ዝኣምሰሉ ጎዳኢ-ፍልልያት ምግባር፥

ሓቢርና ኣቤቱታ ንምፍታሕ ድልዋት ኢና። ነዚ ኽኣ እዘን ስለስተ ስጉምትታት ንኽተል፣

1. እቲ ኣቤቱታኻ መጀመርያ ምስቲ ዝምልከቶ ሰራሕተኛ ትዛራረቡሉ እሞ፣ ሓቢርኩም መፍትሒ ክትረኽቡሉ ትፍትኑ፡

2. እዚ እንተዘይሰሊጡ፡ እቲ ሰራሕተኛ ነቲ ሓላፊኡ ሓገዝ ይሓትት፡

3. እዚ እውን እንተዘይሰሊጡ፡ ኣቤቱታኻ ብጽሑፍ ናብ ዳይረክተር ተሕልፎ፡ ከምቲ ናይ ኣቢቱታ-ኣገባብ። ካብ እትኣምንዎ-ሰብ ወይ ድማ ካብ ክኢላ-ሰብ ደገፍ ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ መሰል ናይ ኣቤቱታኹም ክልተ ዓመት ድሕሪ እቲ ሽግር ምፍጻሙ ይወድቕ።

ናይ ኣቤቱታ-ኣገባብ(De klachtenprocedure)

ኣቤቱታኹም ብጽሑፍ ናብ ዳይረትክተር ትልእኽዎ። እቲ ዳይረክተር ከኣ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ይምለሰኩም፡ መታን ብሓባር መፍትሒ ንምርካብ።

እንተድኣ ኣቤቱታኹም ዘይኣንሳሒብኩሞ፡ እቲ ዳይረክተር ነቲ ኣቤቱታኻ ናብቲ “ናይ ኣቤቱታ-ሽማግለ” ተቕርቦ።

እዚ ናይ “ኣቤቱታ-ሽማግለ” ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ውሳኔኦም ንዳይረክተር ይነግርዎ። እቲ “ናይ ኣቤቲታ-ሽማግለ” ነቲ ናይ ሰለስተ-ሰሙን ግዜ ከናውሖ ይኽእል እዩ። እንተድኣ ተናዊሑ፡ ከም ዘናውሕዎ ካብቲ ዳይረክተር መልእኽቲ ትቕበሉ። እቲ ዳይረክተር ነቲ ውሳኔ ከኽብሮ ኣለዎ። ብድሕሪ እቲ ውሳኔ ኣብ መንጎ ሐሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ እቲ ዳይረክተር ደብዳቤ ብዛዕባ እቲ ምኽሪ ትቕበሉ።