Tigrinya - ትግርኛ ፊደል

Cursusovereenkomst Taalschool Integratiewerk

ውዕል ናይ ኮርስ (ክፍሊ-ትምህርቲ) ናይ “ ኢንተኽራሲ-ቨርክ “

እንተድኣ ኣብ ናይ ቛንቛ-ቤት-ትምህርቲ ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ ናይ ቛንቛ-ኮርሳት ክትከታተሉ ኮይንኩም፥ ናይ ኮርስ-ውዕል ክትፍርሙ ኣሎኩም። ኣብዚ ውዕል ሓድሕድና እንታይ ከምዝተሰማማዕናን፡ ናትኩም ግቡእን መሰልን እውን ኣሎ።

እዚ ስምምዕ እዚ ክበርሃልኩም ኢና እንደሊ። ስለዚ ኢና ኸኣ ነዚ ቪድዮ ኣዳሊናዮ።

እቲ ናይ ኮርስ-ውዕል ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ። እዚ ውዕል ብስም ትካል ቛንቛ-ቤት-ትምህርቲ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ን ብስም እቶም ን“ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ወኪሎም፥ ነዚ ውዕል ዝፍርምዎ እዩ ዝጅምር። ኣብ ትሕቲኡ ድማ ናትኩም ሓበሬታ ኣሎ።

እቲ ናይ ኮርስ-ውዕል 7ተ-ዓንቀጻት ዝሓዘለ እዩ። ሓደ ብሓደ ክግለጻ እየን።

ዓንቀጽ 1-ኮርስ (Cursus)
እዚ ኮርስ ንምንታይ ከምዘዳልወኩም ብምግላጽ እዩ ዝጅመር። እቲ ኮርስ ክንደይ ከምዝወስድ፡ ብዝሒ ተመሃሮ ክንደይ ከምዝኾኑን ከምኡውን እቶም ተመሀሮ ኩሎም ተመሳሳሊ ደረጃ-ትምህርቲ ከምዘለዎምን እዩ ዝሕብር።

ዓንቀጽ 2-ትሕዝቶ ኮርስ( Inhoud Cursus)
ኣብዚ ከኣ እቲ ኮርስ ክንደይ ከምዝወስድ ይግለጽ፣ ምስ ዝጅመረሉን ዝድምደመሉን ዕለት። ከምኡውን መዓስን ኣበይን ትምህርቲ ከምዘለኩም ኣብኡ ኣሎ። ገለ ነገር ምስዝቅየር፡ እዚ ብእዋኑ ይሕበር። ቤት-ትምሕርቲ-ቛንቛ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ ” ኣብ ርእሲ ምክትታል ትምህርትኹም ኣብ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ ገዛኹም እውን ባዕልኹም ከተጽንዑ ትጽቢት ትገብረልኩም። ከምኡ ምስ እትገብሩ ንኔዘርላንድስ ቀልጢፍኩም ትመልክዎ።
ኣብዚ ኮርስ መታን ክትካፈሉ እቲ “ኮንታክት-ፐርሰን” - ተሓጋጋዚኹም- ኣብ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ክሕግዘኩም እዩ። ዘለኩም ሕቶ ኩሉ ግዜ ንመምህርኩም ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሰሰለስተ-ወርሒ እቲ መምህር ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ከመይ ይኸይድ ከምዘሎ ምሳኹም ይመያየጥ። እቲ መምህር መዓስ “ኤክዛም” (ደምዳሚ-መርመራ) ክትገብሩ ከምእትኽእሉን፡ ከመይ ጌርኩም ነቲ “ኤክዛም” ከምእትምዝገቡን ክሕብረኩም እዩ።
ትምህርቲ-ቛንቛ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ኣብቲ ትምህርቲ ምክፋልኩም ዘይምክፋልኩም ይብዝግቦ እዩ። ስለዚ ኣብ ነፍሲወከፍ ክፍሊ-ትምህርቲ (ኮርስ) ክታምኩም ከተንብሩ ኣሎኩም።

ዓንቀጽ 3 ደረጃ-ተመሃራይ( Profiel Cursist)

መታን ኣየናይ ደረጃ-ምህርቲ ምሳኹም ከምዝሰማማዕ ንምፍላጥ፣ ኣቀዲምና ንፍትነኩም። ድሕሪ እዚ ናትኩም ደረጃ ይምዝገብ። ንሱ ከኣ፡ ‘መሃይም’ ክኸውን ይኽእል፣ “መባእታዊ ትምህርቲ” ክኸውን ይኽእል፣ “ማእኸላይ ደረጃ” ወይ “ዝለዓለ ደረጃ” እውን ክኸውን ይኽእል።

ትምህርቲ ምስ ጀመርኩም እቲ ናይ ቛንቛ-ትምህርቲ ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” በብእዋኑ ናይ ምዕባለ-መርመራ ከትፍትነኩም እያ። እቲ ውጽኢት ናይዚ መርመራ እቲ መምህር ምሳኹም ይዛራረበሉ።

ዓንቀጽ 4 ዋጋን ኣካፋፍላን( Kosten en facturatie)

ኣብዚ ኣንቀጽ-እዚ ዋጋ ናይዚ ትምህርቲ ተመዝጊቡ ኣሎ። ነዚ ትምህርቲ ወይ ባዕልኹም ትኸፍልዎ ወይ ከኣ ካብ “ድዎ(DUO)” ተለቂሕኩም ትኸፍልዎ። እንተ ድኣ ካብ “ድዎ” ተለቂሕኩም፡ “ድዎ” ባዕላ ነቲ ቤት-ትምህርትኹም ትኸፍሎ። እዚ ንምግባር ንስኹም ነቲ ክፍሊት ክትሰማምዑሉ ኣለኩም። ቤት-ትምህርቲ-ቛንቛ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ነቲ ናትኩም መዝገባት/ሓበሬታ ናብ “ድዎ” ተመሓላልፎ።

ዓንቀጽ 5 ትምህርቲ ምቁራጽን ጠጠው ምባልን( Opzegging en Beëndiging Cursus)

ነዚ ትምህርቲ ከተቛርጽዎ ትኽእሉ ኢኹም። በቲ ናትኩም ተሓጋጋዚ ጌርኩም ከተቋርጽዎ ትኽእሉ ኢኹም። ምቁራጽኩም ግን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከተፍልጡ ኣለኩም። ትምህርቲ-ቛንቛ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” እውን ነቲ ውዕል ከተቛርጾ ትኽእል እያ። ንሕና እነቛርጾ፡እንተድኣ ሰማንያ_ካብ_ሚእቲ (80%) ኣብ ትምህርቲ ዘይትካፈሉ ኮይንኩም፥ ገንዘብ ብእዋኑ ዘይከፈልኩም፥ ወይ ድማ ጠባይኩም ዘይቅቡል ምስዝኸውን እዩ።

ዓንቀጽ 6-ጣምታ ኣብ ስራሕ( Blik op werk)

ናይ ቛንቛ-ትምህርቲ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” “Blik op Werk” ማለት “ “ጣምታ ኣብ ስራሕ” ዝብል መለለዪ ኣለዋ፡ ነዚ ንምዕቃብ ከኣ ዝከኣለና ኢና ንገብር።

ዓንቀጽ 7-ቕጥዕታት/ስርዓታት/ድንጋገታት( Reglementen)

ናይ ቛንቛ-ትምህርቲ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ ” ናይ “ስታሬ-ስርዓት” ከምኡዉን ናይ “ኣቤቱታት-ድንጋገታት” ኣለዋ። ኣብቲ ናይ “ኢንተኽራሲ ቨርክ” “ሳይት” ወይ መርበብ ኣሎ።

እዚ ውዕል እዚ( Deze overeenkomst)

ናይ ቛንቛ-ትምህርቲ ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክን” ንስኹምን ነዚ ውዕል ክፍርሙሉ ኣለዎም። ኣብ ነፍሲወከፍ ገጽ ተመልክቱሉ፥ ኣብ ገጽ ኣርባዕተ ከኣ ክታምኩም ተስፍሩሉ።

እንተድአ ብምኽንያት ኮሮና እዚ ትምህርቲ ብ“ኦንላይን”፥ ብኢንተርኔት ጥራሕ- ክውሃብ ኮይኑ ድማ ንዕኡ እውን ብኽታም ክትሰማምዑሉ ኣለኩም።

ኣብ መጠረሻ

እንተድኣ ናትኩም ሓበሬታ ምስ “ፓንትያ” ክትካፈሎ፥ ንናይ ቛንቛ-ትምህርቲ ናይ ”ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ፍቓድ ሂብኩማ ድማ ንዕኡ እውን ክትፍርሙሉ ኣለኩም። ዓማዊል ብዛዕባ “Blik op Werk”(ጠመታ ኣብ ስራሕ) ናይ ዕግበት መጽናዕቲ እትገብር “ፓንተያ” እያ።

ነዚ ቪድዮ ስለዝተኸታተልኩሞ ብልቢ ነመስግን። ተስፋ ንገብር እዛ ቪድዮ ነቲ ናይ “ትምህርቲ_ውዕል” ብዝበለጸ ክትርድእዎ ሓጊዛ ክትከውን። እንተድኣ ተወሳኺ ሕቶታት ኣሎካ፡ ነቲ ናትካ ተሓጋጋዚ ናይ ቛንቛ-ትምህርቲ ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም።